ሰኞ 18 ኦገስት 2014

ምንኩስና ብሕትውና ብመን? ኣበይ? መዓስ? ተጀሚሩ


ምንኩስና ብሕትውና ብመን? ኣበይ? መዓስ? ተጀሚሩ

ናይ ምንኩስና መሰረቱ

  ሄኖክ ብተባሕትዎ ጀማርነት ንሞኣሰባውያን፣ መልከጸዴቅን ኤልያስን ብድንግልናዊ ሂወት ጀማርነት ንደናግላን ኣብነት ወይ መራሕቲ ሙኻኖም ክሳብ ሕጂ ተተሓሒዙ ካብ ዝመጸ ታሪክ ንርዳእ።
የውሃንስ መጥምቅ ንሄኖክን ኤልያስን ኣብነት ብምግባር 30 ዘመን ኣብ ገዳም ተወሲኑ እኽሊ ከይበልዐ ናይ ግመል ጸጉሪ ለቢሱ መዓንጡኡ ብጠፍር መዕጠቕ ተዓጢቑ መዓርን ናይ ወይኒን ከይሰተየ ብግብረ ተባሕትዎ ጸኒዑ ኔሩ እዩ(ማቴ 3፥4 , 10፥15)
   ሥርዓተ ምንኩስና ከምዚ ብመንፈስ እግዚኣብሄር ዝተመርሐ እዩ። ጎይታና እየሱስ ክርስቶስ ብመዋዕለ ስብከቱገዝኡ ሓዉ ሓፍቱ ኣቡኡ ኣዲኡ ሰበይቱ ደቁ ንብረቱ ገዲፉ ብስመይ ኣሚኑ ይከተለኒ ናይዚ ኩሉ ሚእቲ ዕጽፊ ይረክብ ናይ ዘላኣለም ድሕነት ይረክብእዚ ስለ መዓርገ ምንኩስና ትኽክለኛ ትርጉም ሂቡ ዝተዝረቦ ቃል መሰረት ብምግባር ኣሽሓት ዝቑጸሩ መናንያን መነኮሳት ኣብ ገዳም ይርከቡ(ሉቃ 982)

ብዘመነ ሊቃውንቲ ዝተረኸበ ስርዓተ ተባሕትዎ ብዘመነ ኣበው ( ብሄኖክን ብበዓል መልከጸዴቅን )ተተሓሒዙ ብምምጹኡ ዝተፈለጠ ክኸውን ከሎ ክሳብ ሕጂ ዝበጽሐሉ ደረጃ ክረኣይ ከሎ ካብ ሃዋርያትን ካብ ሰባ ኣርድእትን ዘመን ስብከት ብድሕሪኡ ከም ናይ ቀደም ሰባት(ከም በዓል ኤልያስ) ብድሕሪኡ ሰባት ከም የውሃንስ መጥምቅ ንጽህናይ ሓልየ ካብ ሰበይቲ ርሒቐ ምንባር ይሕሸኒ ኢሉ ሰውነቱ ንእግዚኣብሄር ሓደራ ዝሃበ ኣባ እንጦስ ዝገበሮ ጸጋ ምንኩስና ሕጅውን ኣብ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ቤተ-ክርስትያን ገዳማትን መናንያን(ባሕታውያን) ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ብእግዚኣብሄር ፍቓድ ክተሓላለፍ ዝጸንሐ ክኸውን ከሎ ንድሕሪ ሕጂ ውን ክሳብ ምጽኣተ ክርስቶስ ጸኒዑ ዝነብር እዩ።

 ክዳን ምንኩስና ካብ ጎይታና እየሱስ ክርስቶስ ዝተረኸበ ክኸውን ከሎ ቆቢዕ ናይ ኣክሊለ ሶክ ቀሚስ ናይ ከለሜዳ (ጎይታና ኣብ ዕለተ ዓርቢ ዝለበሶ) ቅናት ናይ ሓብል ምሳሌ እዩ።

 እስራኤል ካብ ግብጺ ክወጹ ከለዉ ኩፈት ደፊኦም በሎት ሒዞም ዝናር ተዓጢቖም ጫማ ሒዞም ከምዝተበገሱ መነኮሳት ድማ ከምዚ ዝበለ ክዳን ተኸዲኖም ብምናኔ ብብሕትውና ናይዚ ዓለም ጣዕሚን ፍቓደ ስጎኦምን ስዒሮም ብሞት ካብዚ ዓለም ይፍለዩ።

ናይ ብሕትውና ኣጀማምራ ነብያት፣ ሓዋርያት፣ ሊቃውንቲ፣ መነኮሳት፣ ጻድቃን፣ ሰማዕታት ኩሎም ብበረኻ ብጸድፊ ብሓዊ፣ ብስሕለት፣ ብጥሜት፣ ብቑሪ፣ ብጾም፣ ብጸሎት፣ ብምናኔ ዝተንገላትዑ መከራ ዝተቐበሉ ንእምነቶም ንምግባሮም ንባህሎም ንስርዓቶም ንወገኖም እዮም። ንእምነቶም ናይ ስላሴ ሓድነት ሰለስተነት ብምምሃር ብምኽባር ኩሉ ሰብ ንእግዚኣብሄር ንክፈልጥን ንኽግዛእን ብማለት እዩ።

በዓል ኤልያስ፣ ኤርምያስ፣ ኢሳያስ፣ ብድንግልና ብብሕትውና ብምምሃር ንነገስታት ድኻ ኣይትበድሉ፣ ፍርዲ ኣይተጓድሉ፣ ጣዖት ኣይተምልኹ፣ ብእግዚኣብሄር እመኑ እንዳበሉ ናይ እግዚኣብሄር ምሕረት ንምምስካር ዝሓገዞም በይኖም ብተባሕትዎ ብሙኻኖም እዩ። ትምህርቶም ድማ ንደቂ-ሰባት ሂወትን ድሕነትን ኔሩ።

 ኣብ ሓዲስ ኪዳን ዝነበሩ ኣበው ሠለስቱ ምዕት ሃይማኖተ ኣበው ንምፍላስ ናይ መጀመርታ ከሓዲ ካብ ስምዖን መሰርይ ቀጺሉ ዝተሰአ ኣርዮስ እዩ። እግዚኣብሄር ወልድ ካብ ኣብን ካብ መንፈስቅዱስን ፈልዩወልድ ፍጡርኢሉ ክትስእ ከሎ ኣብ 325 . ኣበው ሊቃውንቲ መጽሓፍቲ ጠቒሶም ጉባኤ ዘርጊሖምብመጀመርታ ቃል ኔሩዝብል ተርጕሞምኩሉ ብኡኡ ኮይኑ ብዘይ ብኡ ሓንቲ ዝኾነ ነገር የለንኢሎም ረቲዖሞ ናይ ወልድ ምስ ኣብን መንፈስቅዱስን ዝተፈለየ ስልጣን የብሉን ስልጣኑ ምስ ኣብን መንፈስቅዱስን ሓደ ሙኻኑ ብስልጣኑ ማዕረ ሙኽኑ ኣረዲኦም ዝሰዓርዎ ኣበው መነኮሳት እዮም። ናይ 318 ሂወት ናይ ምንኩስና ሂወት ሙኻኑ ቀልጢፎም ነቲ ዝተፈጠረ ጸገም ንምፍታሕ ሓጊዝዎም እዩ።

 381 መቅዶንዮስ ዝተበሃለ መናፍቕመንፈስቅዱስ ምስ ኣብን ምስ ወልድን ሓድነት የብሉንኢሉ ክሕደት ትምህርቲ ምስነዝሐ 200 ኣበው ሊቃውንቲ መነኮሳት መጽሓፍ ጠቒሶም ተኸራኺሮምወነኣምን በመንፈስቅዱስ እግዚእ ማህየዊ ዘሠረጸ እምኣብኢሎም ብጸሎተ ሃይማኖት ዝወሰኑ ዘምሃሩ መነኮሳት ሊቃውንቲ እዮም።
 ተማሂርካ ምምሃር ብምግባር ብፍልጠት ልክዕ ከም ባዕልኻ ኣምሲልካ ምውጻእ ዳግም ሰብ ምፍጣር ማለት እዩ


ባሕታዊ ማለት ካብ ዓለም ዝረሓቐ ካብ ኩሉ ናይ ዓለም ስራሕ ተግባር ዝተፈለየ ንብረቱ፣ ቤተሰቡ ስለ ክርስቶስ ዝገደፈ ማለት ሙኻኑ ዝተፈለጠ እዩ። ብተወሳኺ ውን ባሕታዊ ማለት ኣብ ክንዲ ምድራዊ ኣቦ ሰማያዊ ኣቦ እግዚኣብሄር ፣ ኣብ ክንዲ ምድራዊት ኣደ ሰማያዊት ኣደ ድንግል ማርያም ፣ ኣብ ክንዲ ምድራዊ ርስቲ ጉልቲ ሰማያዊ መንግስተ ሰማያት ኣብ ክንዲ ሓዊ ሓፍቲ ጻድቃን መላእኽቲ ቅዱሳን ቤተሰቡ ጌሩ ዝነብር ማለት እዩ።
 ቅዱስ ጴጥሮስ እንሆ ንሕና ኩሉ ገዲፍና ስዒብናካ እንታይ ኮን ክንረክብ ኢና? እየሱስ ድማ በሎም ንስኻትኩም ዝሰዓብኩምኒ ብሓድሽ ልደት በታ ወዲ ሰብ ኣብ ዙፋን ክብሩ ዝቕመጠላ ጊዜ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ዓሰርተ ክልተ ነገደ እስራኤል ከም እትፈርዱ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ ።ስለ ስመይ ኢሉ ሰበይቲ ኮነ ወይስ ኣሕዋት ወይ ኣሓት ወይ ኣቦ ወይ ኣደ ወይ ዉሉድ ወይ ግርሂ ዝሓደገ ዘበለ ሚእቲ ካዕበት ክረክብ ናይ ዘልኣለም ሂወት ክወርስ እዩ። ማቴ. 1928-30

 ሥርዓተ ብሕትውና ዝተጀመረ ናይ ኣዳም ሸውዓተ ወለዶ ብዝኾነ ብሄኖክ እዩ።ያሬድ ኣቡኡ ኣብ ዝሞተሉ ጊዜ ንወዱ ሄኖክወደይ ንስኻ ናይ እግዚኣብሄር ምስጋና ኣይተቋርጽ ኩሉ ጊዜ (ዘወትር) ጸልይኢልዎ ኔሩ።
  ንሱ ናይ ኣቡኡ ትእዛዝ ተቐቢሉ በዚ መሰረት ንሓሙሽተ ዓመት እግዚኣብሄር ምስ ኣገልገለ ኣብ 335 ዓመቱ ሰበይቲ ኣእቲኻ ቤት ሰሪሕካ ቆልዓ ወሊድካ ምንባር መንፈሳዊ ድሌቱ ከጽግቦ ስለዘይከኣለ ካብ መግብን ምስተን ተፈልዩ ሰብ ናብ ዘይብሉ ናብ እግረ ገነት ከይዱ ብተባሕትዎ ጸኒዑ ኔሩ።

ኣብ ላዕሊ ከምዝተገለጸ ባሕታዊ ማለት ካብ ዓለም ወጺኻ ካብ ሰብ  ተፈሊኻ ካብ ፍተወተ ስጋ ርሒቕካ ባሕቲኻ ፍልይ ኢልካ ምንባር ማለት እዩ።
  ሄኖክ ኣብ እግረ ገነት ንሽድሽተ ዓመት ምስ ተቐመጠ ብፍቓድ እግዚኣብሄር ተወሲዱ ዓሪጉ እዩ (ዘፍ.       ዕብ.115)

 ተስባእታዊ ኤልያስ ናይ ሄኖክ ሓድሽ መንፈሳዊ ሂወት ኣብነት ጌሩ ብድንግልና ጸዋሚ ተሓራሚ ኮይኑ ንእግዚኣብሄር እንዳገልገለ ብሥልጣኑ ሰማይ ዝናብ ንዘርኢ ጠሊ ንቀውዒ ንከይህብ ምድሪ ዝተኸሉዋ ከይተጽድቕ ድዘርእዋ ከይተብቅል እንዳውገዘ ብመንፈሳዊ ግርማ ተሓፊሩ ተኸቢሩ ምስ ነበረ ኣፍራስ ሓዊ ብሠረገላ እሳት ናብ ሰማይ ዓሪጉ (2ይነገ. 211)

   ኮይኑ ግና ንመዓሰባን (ወሊዶም ንዝብሕትው) ሄኖክ ንደናግላን ድማ ስርዓት ድንግልና ጀሚሩ ዝሃቦም ኤልያስ ምዃኑ ካብዚ ታሪኽ ክንርዳእ ንኽእል።

ምንም አስተያየቶች የሉም:

አስተያየት ይለጥፉ